ሓደስቲ፡ ብዙሓት መጻሕፍቲ
ብዛዕባና

ምንባብ ቀንዲ መሰረት ምዕባለ ናይ ሕብረተ-ሰብ’ዩ፡
ምንባብ ኣብ ምምዕባል ሕብረተ-ሰብ ኣዝዩ ወሳኒ ተራ’ዩ ዝጻወት፡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ንሕና መዓርፎ ናይቲ ንምዕባለ ዝግስግስ ዘሎ ሕብረተ-ሰብና ክንከዉን መሪጽና።
“ምንባብ ማለት፡ነቶም ብኣካል ክትረኽቦም ዘይከኣልካ በላሕቲ ሰባት ብመጽሓፎም ጌርካ ምስ ርእሶም ክተዕልል ምኽኣል’ዩ።”
ሞርያና
መስራቲ እዛ ወብሳይት
ሕትመት መጻሕፍቲ ከሙኡ’ውን መጽሓፍ ከም ህያብ፡
ዋላ’ኳ መጻሕፍትና ኣብ ሆላንድ ዝሕተሙ እንተኾኑ፥ ናብ ዝደለኹሞ ቦታ ግን ከነብጽሓልኩም ንኽእል ኢና።
“ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ ዝበለጸ ህያብ መጽሓፍ አዩ’ሞ፡ ንፈተውትኹም ካብዚ ዌብሳይትና ጠሊብኩም ኣድራሽኦም እንተሓቢርኩምና ከም መልክዕ ህያብ ናብ ፈተውትኹም ክነብጽሓልኩም ድልዋት ኣለና።”
ሞርያና
መስራቲ እዛ ዌብሳይት


ዕላማናን ራኢናን
ዕላማና ንኹሎም መጻሕፍቶም ዘርጊሖም ዘለውን ብናይ ቁጠባ ወይ ናይ ሕትመት ጸገም ክዝርግሑ ዘይከኣሉን ክኢላታት ጸሓፍቲ፡ መጻሕፍቶም ብመገንዲ ዌብሳይትና ኣቢልና ናባኹም ናብ ኣንበብቲ ምብጻሕ’ዩ።
“መጻሕፍቲ ናብ ኣንበብቱ ምብጻሕ ማለት ከኣ፡ነቲ ኣብ ሕብረተ-ሰብና እንዳተዳኸመ ክመጽእ ዝጸንሐ ናይ ንባብ ልምዲ ምብርባር ማለት’ዩ።
“ነፍሲ ወከፍ ዘንብብ ሰብ፡ ንሕብረተ-ሰቡ ዘብርህ ፋኑስ እዩ።”
ሞርያ
መስራቲ እዛ ዌብሳይት